ሕማም ዓበቕ ህበይ ክሳብ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ኣይኣተወን – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዓበቕ ህበይ” እናተብሃለ ዝፍለጥ ተመሓላላፊ ሕማም ክሳብ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይኣተወ ሚኒስቴር ጥዕና ኣረጋጊፁ።

እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ተራኢዩ ክልተ ሰባት ናብ መፅንሒ ቦታ (ኳረንቲን) ኣቲዮም ዝብል ሓበሬታ ብጋዜጣ ሪፖርተር ወፂኡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናተጋውሐ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፥ እቲ ሕማም ኣብ ካልኦት ሃገራት ይረአ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘየለ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፍነት ዝስመዖም ትካላት ሚዲያ ከምዚ ዝበለ ዘይተረጋገፀን ብዝምልከቶም ኣካላት ዘይቀረበን ሓበሬታ ካብ ምግዋሕ ንኽቑጠቡ እቲ ሚኒቴር ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ እዋናዊ ሓበሬታታት ጥዕና ከምኡ እውን ስግኣት ጥዕና ማሕበረሰብ ዝኾኑ ለበዳ ሕማማት ብዝምልከት ትኽክለኛ ሓበሬታ ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ጥራሕ ምርካብ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment