ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝውዕል  45 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝውዕል  45 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ተገይሩ።

እቲ ደገፍ፥ 550 ማይክሮስኮፕን ካልኦት ናውቲታትን ዝሓዘ እንትኸውን፥ ናይ ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ተራድኦ ድርጅትን ኣይካፕ ኢትዮጵያን ዝገበርዎ ደገፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ መረዳእ ከምዘረድኦ፥ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ኢዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ፥ ኣብ ዘርፊ ጥዕና ዓሶ ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ንምውጋድን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ንዝገብርኡ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝገብር ደገፍ ኢዩ ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment