ሕማም በዲዶ ህበይ ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም በዲዶ ህበይ ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ተግባራት ቅድመ ምክልኻል እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ሕማም በዲዶ ህበይ ብውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣት ጥዕና ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ካብ ዝግለፅ ጀሚሩ እቲ ሕማም ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል እናተወገነ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ኣብ ዶብን ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታትን ትዕዝብቲ ምግባር፣ ስራሕቲ ምፍላይ፣ እቲ ሕማም ንምምርማር ዘኽእል ዓቕሚ ቤተ-ፈተነ ምዕባይ ከምኡ እውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ናይ ምዕባይ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡

ሕማም በዲዶ ህበይ ኣብ 13 ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝተርኣየ ብምግላፅ÷ ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘየለ ምርግጋፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment