ሕማም ሳምቡእ ንምክልኻን ንምቁፅፃር በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ልዑል ትኹረት ክህብ ይግባእ –  ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ሳምቡእ ንምክልኻን ንምቁፅፃር በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ልዑል ትኹረት ክህብ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣፍሪካ ሕማም ሳምቡእ ንምክልኻልን ንምቁፅፃን ፖለቲካዊ ቆራፅትን ዝተመሓየሸ ፋይናንስ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ዘድሃበ ኣህጉራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ÷ መንግስታት ሕማም ሳምቡእ ዓበዪ ማሕለኻ ጥዕና ህዝቢ ከምዝኾነ ክግንዘቡን እቲ ሕማም ንምጥፋእ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ኣመራርሓታት ጥንኩር ኣመራርሓ ክህቡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ንምድንፋዕ ውፅታዊ ሕቶታት ሓገዝ ገንዘብ ብምስንዳእን ስግኣት ሕማም ሳምቡእ ዝውስኹ ከባቢያዊ ኢኮኖሚያዊን ካልኦት ጉዳያትን ንምፍታሕ ስጉምቲታት ክወስዱ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ መካየድቲ ስራሕ ብሄራዊ ሕማም ሳምቡእ ኣፍሪካ፣ ከባቢያዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኸን መሓዙት ኣካላት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ግዳያት እቲ ሕማም ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment