ሕማም ሳምቡእ ንምክልኻል ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ – ሚኒስቴር ጥዕና

ሕማም ሳምቡእ ንምክልኻል ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለመዳይ ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ዝኾነ ሕማም ሳምቡእ ንምዕጋት ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ደረጄ ዱጉማ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ‎

መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ምርምር ሕማም ቲቢን ዓለም ለኸ መዓልቲ ቲቢ 2017ን ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ይኽበር ኣሎ፡፡

‎እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን፤ ግንዛበ የሕብረተሰብ ብምዕባይ እቲ ሕማም ንምግታእ ልዕሊ 100 ምርምራት ጥዕና ከምዝተወገኑ ሓቢሮም፡፡

ካብ ሞንጎ እዞም ምርምራት ጥዕና እቶም 20 ተመሪፆም ኣብቲ መድረኽ እናቐረቡ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ቀቅድሚ ሕዚ ሕማም ሳምቡእ መርሚርካ ንምፍላጥ ሰለስተ መዓልቲ ከምዝወስድ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደቓይቕ ንምፍላጥ ዘኽእሉ 1 ሺሕ ማሽናት ን140 ትካላት ተበፃ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment