ሕሙም ኣሳፊራ ናብ ሆስፒታል እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣምቡላንስ ብምግልባጣ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወረዳ ዳሰነች ሕሙም ኣሳፊራ ንዝሐሸ ሕክምና ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣምቡላንስ ብምግልባጣ ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ አርባዕተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት በፂሑዎም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ በና ፀማይ ቀበሌ ኣርጎ ዝርከብ ቁልቁለት ከባቢ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ወረዳ ዳሰነች የመላኽት፡፡

ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታ ጂንካ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም እንትኸውን÷ መበገሲ ናይቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment