ሕልኽላኽ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕልኽላኽ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ከምዘሎ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንገስታት ምክትል ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሳሙኤል ኢሳ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሳልሳይ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ጉጅለ 77ን ቻይናን ተሳተፎም።

ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡ8ብ-ደቡብ ዓበይቲ ሃገራት ዘጋጥመን ሕልኽላኽ ፀገማት ንምፍታሕ ዘለዎ ረብሓ ኣረዲኦም።

ሓበራዊ ድምፂ እቲ ጉጅለ ንቐፃሊ ተውልዲ ዝረብሕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅርፂ ሓቛፊ ብዘይምዃኑ ክመዓራረ ይግባእ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment