ሕልምና ልዕልና ዝመርሖ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕልምና ልዕልና ዝመርሖ ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያን ህዝባን ናብ ኩለመዳይ ብልፅግና ንምስጋር ዕላማ ገይሩ ዝተለዓለ ጉዕዞ ለውጢ ሽዱሽተ ዓመታት ተሳጊሩ ኣሎ” ኢሎም፡፡

በዚ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝምስረት ሓሙሽተ ዓመታት ኣቑፂሩ ብዓበይቲ ዓወታት ተዓጂቡ ኣብዚ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

“ፈተናታት ተሻጊርና ኣብዚ ዝበፃሕና፣ ዕንቅፋታት ገሊህና፣ ማሕለኻታት ነቓቒልና ክዕቱ ዘይኽእሉ ዝመስሉ ዓወታት ዘዕወትና፣ ከበድቲ ዝመስሉ እዋናት ንምስጋር ዓቕሚ ዝረኸብና ሕልምና ልዕልና ዝመርሖ ስለዝኾነ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment