ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ 164 ቢሊየን ዶላር በፂሑ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ 164 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን እናሃቡ ይርከቡ፡፡

ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መበርሂ÷ ሃገር በቆል ትልሚ ልምዓት ኢኮኖሚ ብምሕንፃፅ ናብ ስራሕ እንትእቶ ስብራትን ዘይምጥጣንን ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዘሎ ምፅጋን የድሊ ብዝብል ከምዝተጀመረ ገሊፆም፡፡

ብካልኣይ ደረጃ ድማ ከባቢ ንግዲ ምዝማንን ምምሕያሽን ሽቶ ተታሒዙ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም፡፡

ናይ ኩሎም ዓውዲታት ኢኮኖሚ ዓቕሚ ምድንፋዕን ዓቕሚ ምፍፃም መንግስቲ ምዕባይን እውን ቀንዲ ዕላማታት ሃገር በቆል ትልሚ ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም እውን ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገም ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

ኲናት፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ምዝባዕ ስርዓት ንግዲ ዓለም ዘስዐቦ ፅዕንቶ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ “እዚ ኩሉ እናሃለወ ግን ኩለመዳይ ኣንፈት ልምዓት ኢኮኖሚ ስለዝተኸተልና ኣብ ታሪኽና ንፈለማ እዋን ጂዲፒ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ደብል ክክገብር ክኢሉ” ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጂዲፒ ኢትዮጵያ 164 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ዳታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ዘይኮነስ ፀብፃብ ኣይ ኤም ኤፍ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚያዊ ካብ ኣፍሪካ ይኹን ካብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝርከብ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ሓቂ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ጭቡጥ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ ዶ፣ ሕድሕድ ፀገም ተፈቲሑ ዶ፣ ምኽባር ናብራን ካልኦት ፀገማትን ተፈቲሖም ዶ ዝብል ሕቶ ግን ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍታሕ ጉዳይ ስለዘይኮነ ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ንምዕባለ ኣድላዪ መሰረት ምንባር ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብመንፅር ሕርሻ እንትረአ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓውዲ ሕርሻ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር 6 ነጥቢ 3 ዕቤት ከምዘርአየ ገሊፆም፡፡

መጠን ተሓራሲ መሬት ናብ 20 ሚሊየን ሄክታር ክዓቢ ብምግባር ልዕሊ 600 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ምህርቲ ድማ ልዕሊ 22 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ ልዕሊ 800 ሚሊየን ኩንታለ ፍርያት ንምርካብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ብመንፅር ኢንዱስትሪ 6 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝነበሮ ብምሕባር ብፍላይ ዘፈር ኤሌክትሪክ ልዑል ዕቤት ከምዘመዝገበ ኣብሪሆም፡፡

ዓውዲ ኮንስትራክሽን 7 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ 7 ሚኢታዊ ምዝዓበየ ገሊፆም፡፡ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዝብል ምንቅስቓስ ከም ሃገር ናይ ምፍራይ ዓቕምና ዘለዉ ፋብሪካታት ተደሚሮም ከባቢ 47 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ኣሃዝ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 55 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኸኣለ ብምርግጋፅ÷ ዝተረኸበ ውፅኢት ዝበረታታዕ ይኹን እምበር ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ዝግበኦም ጉዳያት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡፡

ዓቕሚ ምፍራይ ዓውዲታት ጨርቀ-መርቂ 63፣ ቆርበት 58፣ ቴክኖሎጂ 35፣ ኬሚካል 68 ሚኦታዊ ከምዝበፅሐ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ተካእቲ ፍርያታት ብዝምልከት ድማ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ዓቕ ምፍራይ ናብ 38 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment