ሓፈሻዊ ወፃኢ ጥዕና ኢትዮጵያ 127 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ወፃኢ ጥዕና ኢትዮጵያ 127 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ነዚ ዝበለ ሻምናይ ዙር ውፅኢት መፅናዕቲ ወፃኢ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኢዩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2009 ሓፈሻዊ ወፃኢ ጥዕና ኢትዮጵያ 72 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ዝነበረ እነትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመኛውቲ 17 ነጥቢ 1 ዕብየት ብምርኣይ ናብ 127 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር በፂሑ ኣሎ ተባሂሉ።

ነብሲ ወከፍ ወፃኢ ጥዕና ካብ 33 ነጥቢ 21 ዶላር ናብ 36 ነጥቢ 3 ዶላር ኣሜሪካ ክብ ምባሉ እውን ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብመንፅር ዝተቐመጠ እንትረአ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕባይ ምስ ዘለዋ ሃገራት እንትነፃፀር ብ43 ዶላር ከምዝተሓተ ተገሊፁ።

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment