ሓፈሻዊ መኽፈቲ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽነን ፌዴሪኢተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ መኽፈቲ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽነን ፌዴሪኢተኻይዱ።

ኣብቲ መኽፈቲ ጉባኤ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መኸፈቲ መደረ ኣስሚዐን፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መደረአን፥ ዝሓለፈ ዓመት ብብዙሓት ፈተናታት ኮይንና እውን ብዙሓት ዕዉታት ስራሕቲ ክነመዝግብ ክኢልና ኢና ኢለን።

ሓደሽቲ ንዝተመረፁ ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣፈ ጉባኤታትን ምክትል ኣፈ ጉባኤታትን እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ድማ ሰናይ ትምኒት ስራሕ ተመኒየን፡፡

ንሓሙሽተ ዓመት ዝፀንሕ ዘበነ ስልጣን ናይዞም ኣቢያተ ምኽሪ በቢዓመቱ ካብ ዝግበሩ ስን-ስርዓታት መኽፈቲ ፍሉይ ትርጉም ዝወሃቦ ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ እዚ ድማ ናይ ሓደ ምዕራፍ ምዝዛምን ሓዱሽ ተስፋ ምዕራፍ ምጅማርን ዘርኢ ምዃኑ ገሊፀን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሓቢርና ምንባርና ንምንጋዕ ብዙሕ ተሰሪሑ ብዙሕ ዋጋ እውን ኣኽፊሉና ኢዩ” ኢለን፡፡

ውፅት ቃልሲን ፅንዓትን እቲ ማሕለኻ ድማ ንሎሚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብቂዑና ኢለን፡፡

እዚ ምዕራፍ ንኽርከብ ዋጋ ዝኸፈሉ ኩሎም ምዝካር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡

እቶመር ኣቢያተ ምኽሪ፥ ድምፂ ህዝቢ ዝጋወሐሎም፣ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝለዓሉሎም፣ ተኸራኺርካ ምስዓር ዝረኣየሎም ክኾኑ ይግባእ ክብላ ኣተሓሳሲበን፡፡

ጥንኩር ፓርላማ ንጥንኩር ሰናይ ምምሕዳር፣ ተሓታትነት ንምዕሳል ንምኽባር መሰል ዜጋታት ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ተመረፅ ኣባላት ዝኣተዉዎ ቃል ምፍፃሞም ምክትታል ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment