ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 500 ወገናት ናፃ መጥባሕቲ ሞራን ፀጉሪ ዓይኒን ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 500 ወገናት ናፃ መጥባሕቲ ሞራን ፀጉሪ ዓይኒን ክህብ ሙኻኑ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ መረሳ ገ/ስላሴ፥ እቲ መጥባሕቲ ካብ 12 ክሳብ 17 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ክካየድ ምኻኑ ገሊፆም።

ኣብ ቢሮ ጥዕና መተሓባበሪ ፕሮግራም ሕክምና ዓይኒ ዶ/ር ኾኾብ ሓጎስ ብግደኦም፥ ሕማም ዓይኒ ንምክልኻል ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካል ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሮም።

እቲ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ብዙሕ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብርን ስራሕ ከምዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ሆስፒታል፥ ተረባሕቲ ወገናት ኣብቲ ዝተገለፀ ግዘ መፂኦም ክሕከሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

Comments (0)
Add Comment