ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቂሶም ንዝሕከሙ፣ ክታበት፣ ፊዞትራፒ፣ ምርመራ ላቦራቶሪ፣ ንዝወልዳ ኣዴታትን ተመላለስቲ ተሓከምቲን ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ኣብ ስርሖም ከምዝርከቡ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ካሕሳይ ገብረመድህን ገሊፆም።

እቲ በዓል ሞያ ብሙሉኡ ናብ ዝራሑ ብምምላሱ ድማ እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ናብ ንቡር ንክምለስ ከምዝሓገዘ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጣቢያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን መሊአን ናብ ስራሕ ብዘይምእታወን ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዝግልገል ተሓካሚ ቁፅሩ ክውስኽ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።

ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ቀረብ ኣፋውስ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ሕማም ሽኮርን ዝሓሸ ለውጢ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ካልኦት ኣፋውስ ዘሎ ሕፅረት ንምፍታሕ ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ሕቶ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

ኣምቡላንሳት ስለዘለዋ ኣዴታት ናብቲ ሆስፒታል እናመፃ ይዋለዳ ኣለዋ ኢሎም።

ንኮቪድ 19 መወሸቢ ተባሂሉ ዝሕደስ ህንፃ ብምዝዛሙ ኣብ መፃኢ ሰሙን ግልጋሎት ምሕካም ከምዝጅመር ዶክተር ካሕሳይ ገሊፆም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment