ሓፈሻዊ ሃፍቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር በፂሑ

ሓፈሻዊ ሃፍቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓፈሻዊ ሃፍቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር ምብፅሑ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣቤ ሳኖ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ ባንኪ ቅድም ክብል ንህንፀት ግዙፋት ፕሮጀክትታት ቢሊየን ገንዘብ ብትሑት ወለድ ከለቅሕ ከምዝፀንሐን እዚ ድማ ነቲ ባንኪ ናይ ህልውና ሓደጋ ንከንፀላልዎ ምኽኒያት ኮይኑ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ዝተገበረ ምምሕያሽ ልዑል ሽግግርን ዓወትን የምፅእ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ዝኾነ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ናይቲ ባንኪ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ዘሸጋገረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ባንኪ ኣብ ኩለ መዳር ኣብ ፅቡቕ ኩነታትን ቁመናን ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ሓፈሻዊ ሃፍቱ ድማ 1 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር ምብፅሑ ገሊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment