ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ጋንታታ ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ኣብ ዝቕፅል ዘመነ ውድድር ተጠናኺረን ንምቕራብ ኣብ ናይ ዝውውር ዕዳጋ እናተሳተፋ ይርከባ።
ቅድም ክብል ኧርሊንግ ሃላንድን ካብ ቦርሲያ ዶርቱሙንድ ዘፈረመት ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ንኬልቪን ፊሊፕስን ካብ ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ኣፈሪማቶ።
እታ ጋንታ ንዝውውር እቲ ተፃዋታ ክፍሊ ምክፍፋል ብ45 ሚሊየን ፓውንድ ብሽዱሽተ ዓመት ኩንትራት ውዕሊ ኢያ ኣፈሪማቶ።
ብኻሊእ መዳይ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሴናል ንጋብርኤል ጀሰስ ካብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብ45 ሚሊየን ፓውንድ ኣፈሪማ።
ቅድም ክብል ንፈረንሳዊ ኣጥቃዒ ኣሌክሳንደር ላካዜት ዘሰናበተት ጋንታ ኣርሰናል ንብራዚላዊ ኣጥቃዒ ብሓሙሽተ ዓመት ስምምዕነት ኢያ ኣፈሪማቶ።
ኣብዚ ክረምቲ ጋንታኣ ብዝውውር እናጠናኸረት ትርከብ ኣርሰናል፥ ቅድም ክብል ካብ ጋንታ ፖርቲ ንተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ፋቢዮ ቪየራ ሓዊሱ ሰለስተ ተፃወትቲ ክተፈርም ክኢላ ኢያ።
ዓበይቲ ተፃወትታ ብናፃ ዘሰናበተት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ብግደኣ፥ ነበር ተፃራታይ ጋንታታት ቶትንሃምን ኢንተር ሚላንን ክርስቲያን ኤሪክሰን ንምፍራም ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐት ኣፍሊጣ።
ዴንማርካዊ ኤሪክሰን ምስታ ጋንታ ኮንትራት ሰለስተ ዓመት ንምፍራም ብብርኪ መምርሒ ከምዝተስማዕመዐ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ካብዚ ብተወሳኺ፤ ንታይሬል ማላቺያን ካብ ጋንታ ፌይኖርድ ብ13 ሚሊየን ፓውንድ ንምፍራም ዝተስማዕመዐት እንትትከውን፥ እቲ ተፃዋቲ ሕክምናዊ ምርመራ ንምግባር ኣብ ማንቸስተር ምብፅሑ ፀብፃባት ሓቢሮም፡፡
ስፔናዊት ጋንታ ባርሴሎና ድማ ንፍራንክ ኬሲ ካብ ጋንታ ኤሲ ሚላን ብናፃ ኣፈሪማ።
እቲ ተፃዋቲ ኣብ ካምፕ ኑ ንዓርባዕተ ዓመት ዘፅንሖ ውዕሊ ፈሪሙ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com