ሓፀርቲ ናይ ወፃኢ ስፖርታዊ ዜናታት
- ቼልሲ ድሕሪ 17 ዓመት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ብፉልሃም 2 ን 1 ተሳዒራ፤ ናይ ትማሊ ምሸት ውፅኢት ስዒቡ ድማ ኣሰልጣኒ ግርሃም ፖተርስ ኣብ መፃብብ ኣቲዮም ይርከቡ፡፡
- ኣብቲ ፀወታ ዝተሰለፈ ሓዱሽ ፈራሚ ዣኦ ፊሊክስ ኣብ ፈላማይ ፕሪሚየር ሊግ ፀወትኡ ይግበር እምበር ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ኣብ መበል 58 ደቒቕ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ወፂኡ።
- ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ዝርዝር ተፃወትቲ ሕፁያ ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ 2022 ከምዘይተኻተተ ተሓቢሩ፡፡
- ሊዮኔል ሜሲን ክሊያን ምባፔን ሓዊሱ 14 ተፃወትቲ ኣብ ዝርከቡሉ ዝርዝር ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ ደቂ ተባዕትዮ 2022÷ ፖርቹጋላዊ ኢንተርናሽናል ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣይተኻተተን፡፡
- ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ዩክሬናዊውን ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሚሃይሎ ሙድራይክ ንምፍራም ንጋንታ ሻካታር ዶኔስክ ሳልሳይ ዕላዊ ሕቶ ዝውውር ሕቶ ምቕራቡ ተሰሚዑ፡፡
- ኣርሰናል ነቲ ተፃዋቲ ቅድሚት ዝኽፈል 70 ሚሊየን ዩሮን እናተረርኣየ ዝውሰኽ ብቁፅሪ ዘይፍለጥ ናይ ዝውውር ሒሳብን ምቕራቡ ጎል ዶት ኮም ፀብፂቡ፡፡
- ፅባሕ ኣብ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ደርቢ ማንቹሪያን ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
- ትሽዓተ ሸቶታት ኣብ ዝተመዝገቡሉ ቀዳማይ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታ ማንቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድ 6 ን 3 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna