ሓጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ቲቦር ናዥ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደፈት ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ ኢዮም።

ቲቦር ናዥ ካብ ዕለተ ረቡዕ ጀሚሮም ዘሳልጥዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኢዩ።

እቶም ሓጋዚ ፀሓፊ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር፣ ምጥንኻር ትካላት ዴሞክራሲ፣ ምቅላስ ግዕዚይና፣ ምንጋስ ሰላምን ምርግጋዕን ከምኡ እውን ምጥንኻርን ምስፋሕን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዓለም ለኻዊ መሻርኽቲ ልምዓት፣ ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዩንቨርስቲን ልዝብ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ዑደት እቶም ሓጋዚ ፀሓፊ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ድልየት ምህላዋ ዘርእይ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment