ሓገዝ እኽሊ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ  ሎሚ መዓልቲ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሓገዝ እኽሊ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ  ሎሚ መዓልቲ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ምጅማረን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ሓገዝ እኽሊ ትካል ምግቢ ዓለም ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ ብኣብዓላ ኣቢለን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ትግራይ ተጓዒዘንን ኢየን።

ሎሚ መዓልቲ  ድማ  ሓገዝ ምግቢ፣ ሃነፅቲ ምግብታትን ካልኦት ሓገዛት ኣድሕን ህይወትን ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ  ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ምጅማረን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትዊተር ሒሳቡ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ሰለስተ ነዳዲ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ምጉዕዓዝ ምጅማረን ሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment