ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓገዝ ንምብፃሕ ናብ ትግራይ ከይደን ዘይተመለሳ ተሸከርከርቲ ኣብ ቀረብ ሓገዝ ዕንቅፋት ከምዝፈጠራ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።
ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ናብ ትግራይ ካብ ሞንጎ ዝኸዳ 466 ተሸከርከርቲ እተን 428 ካብ ትግራይ ዘይምውፀአን ኣብ ቀረብ ሓገዝ ልዑል ፀገም እናፈጠረ ከምዝርከብ ኢዮም እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም ዘለዉ።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዚ እኩይ ተግባር ክኹንንነ ዘይምኽኣሉ ድማ እቲ ፀገም ዝኸፍአ ንኽኸውን ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ኮሚሽነር ምስ ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚዲያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ፀሪሑ ትፕኢ ከምዝፀብፀቦ፥ ንብረት ውልቀ ሰባት ዝኾናን ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ግደ እናተፃወታ ዝነባ 428 ተሸከርከርቲ ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ናብ ትግራይ ምስከዳ ኣብኡ ምትራፈን ጉድኣት እናስዐበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ምኽንያት ዘይምምላስ እተን ተሸከርከርቲ ሕፅረት ነዳዲ ኢዩ ክብል ዘቕረቦ ምኽንያት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምግላፅ እኹል ነዳዲ ናብቲ ክልል ከኣቱ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ካብ ክልል ትግራይ ዘይወፅ መኻይን ብቕልጡፍ ተመሊሰን ናብቲ ክልል ሓገዝ ናውቲ ከብፅሓ ዝግበአን ኢየን ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝኽሰት ጥሜት መንግስቲ ፌዴራል ብሓላፍነት ክሕተት ኣይግባእን ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።