ሓድጊታት ኢትዮጵያ ንምሕላውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ሓድጊ ንምህናፅን ዝሕግዝ ልዝብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳሳይ፣ ስፔን፣ ፖርቹጋልን ሞናኮን ዝኾኑ ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ሓወልቲታትን ታሪኻዊ ቦታታትን (ICOMOS) ቴሬሳ ፓትሪሲዮ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ምስቲ ቤት ምኽሪ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ምስምምዖም ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ቅርስታት ሃገርና ንምሕላውን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ንክረኽቡ ንምግባርን ሰብ ሞያ ቅርሲ ሃገርና ዓቕሚ ብምህናፅ ንምብቃዕ ንክሰርሑ ኣገንዚቦም።

ዓለም ለኸ ሓውልቲታትን ታሪኻዊ ስፍራታትን ቤት ምኽሪ ኣብ ዩኔስኮ ብዓለም ለኸ ሓለዋ ቅርፂ ከምዘማኽር ምስ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment