ሓድነት ህዝቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ርእሳነ ምምሓዳር ክልቲአን ክልላት ገሊፆም

#ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓድነት ህዝቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ርእሳነ ምምሓዳር ክልቲአን ክልላት ገሊፆም።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ክልላት ንምምዓባል ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ህዝቢታት ክልቲአን ክልላት ንዘመናት ብዝፀንሐ ሕውነትን ምትሕብባርን ዝተኣሳሰሩ ኢዮም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ ህዝቢ ዓፋር ተምሳሌት ኢትዮጵያዊነትን ፍቕሪ ሃገርን ምዃኑ ገሊፆም።

ህዝቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉዎም ናይ ሓባር ባህሊታትን ዘመን ዝዘልቕ ሓድነትን፥ ብዘርፊታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ክዓብዩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ኣመራርሓታት ብተወሳኺ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ክፋላት ሕብተሰብን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ፅባሕ እውን ሓድነት ክልቲኦም ህዝቢታት ዘጠናኽሩ ዘተታት ብምግባር ክቕፅል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

Comments (0)
Add Comment