ሓድነትን ሰላምን ንምርግጋፅ ከላሽንን ታንኪን ዘይኮነስ ልምዓት ምምፃእ ይግባእ – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ከላሽንን ታንኪን ዘይኮነስ ልምዓት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንነበርቲ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ኣብ ስታዲየም ወራቤ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ “ካብ ዘለናዮ ድኽነት ንምውፃእ ኲናት ዘይኮነስ ልምዓት ምርግጋፅ ይግባእ” ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት ስለ ዘሎ ትራክተር፣ መሃይምነት ስለዘሎ ቤት ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ሕማም ስለ ዘሎ ትካላት ጥዕና ምህናፅ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ሰላም፣ ሓድነትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ስልጤ ህርኩትን ፈታዊ ስራሕን ከምዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ሰገናት ከላሽን ክሽከሙ ምግባር ኲናት ምውራስ ምዃኑ ኣብሪሆም።

መንግስቶም ዕዳ ዘለዋ ሃገር ከምዝተረከበ ብምሕባር፥ ንኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ ንምብፃሕ ህራስ ከምዘይህልዎ ገሊፆም።

“ንድኽነት ብምስዓር ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩሉ ዕዳ ክንከፍሎ ኢና” እውን ኢሎም።

ድኽነት ምስዓር ንሓደ ወገን ጥራሕ ዝሕደግ ስለዘይኮነ ኩሉ ሕብረተሰብ ተሳትፎ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ካብ ነበርቲ ዞባ ስልጤ ዝለዓሉ ኩሎም ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን፥ በቢብርኩ ከምዝፍትሑ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment