ሓድነትና ኣጠናኺርና ንፀላኢ እናሕፈርና ከም ዓወት ዓድዋ ዓወት ክንሓፍስ ኢና – ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ንዘበናት ተጋሚዶምን ተፋቲዮምን፣ ተሓጋጊዞምን ተዋሂዶምን ዝነበሩ ክ,ህዝቢታት ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ሓድነትና ድማ ብባህሊ፣ ብቋንቋ፣ ብሄር፣ ኣመለኻኽታ ፖለቲካን እምነትን ዘለዎም ነናይባዕሎም ማንነት ሓሊዮም ምፅነሖም ገሊፆም፡፡

ከም ሃገር እውን ናይ ሓባር ታሪኽን ክብሪን ከምኡ እው ሓበራዊ ስነ-ልቦናን ሕብረ ብሄራዊ ሃገራዊ ሓድነትን እናሃነፁ ክሳብ ሕዚ በፂሖም ኢዮም ኢሎም።

ታሪኽ ከምዝሕብሮ ኢትዮጵያ ብጀጋኑኣ ተጋድሎ ዶባን ሉኣላዊነታን ኣኽቢራ ናፃ ሃገር ኮይና ኣብ ብራኸ ታሪኽ ክብ ኢላ ዝተርአየት ምዃና ዝሓበሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኣብ ዓድዋ ዝወለዐ ሽግ ዓወት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝነበራ ሃገራት ኣፍሪካ ንናፅነተን ክቃለሳ ኣብነት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“ሃገርና ዘለትሉ እዋናዊ ኩነታት ቅድሚ 100 ዓመት ካብ ዝነበረ ቃልሲ ናፅት ዓድዋ ዝመሳሰል ኢዩ” ኢሎም እቶም ኣፈ ጉባኤ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢደዙር ባዕዳዊ ወራር ንምፍፃም ዝተሃንቀዉ ኣካላት ምህላዎም ድማ ከም ኣብነት ገሊፆም፡፡

እዚ ንምምካት ድማ ኣብ ዓድዋ ዝተመዝገበ ታሪኽ ብምድጋም ሎሚ እውን ከምትማሊ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብሓድነት ደው ብምባል ሉኣላዊነት ሃገሮም ተሓባቢሮም እናኽሩ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ሰላምን ሓድነት ሃገርን ብምሕላው ልኡኻት ጥፍኣት ብዝተሓባበረ ተሳትፎ ህዝቢ ተግባሮም ብምምካን ከም ናይ ዓድዋ ኣቦታትና ኣብ ሓዱሽ ዓመት ክንዕወት ኢና ኢሎም ።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ናይ ሰላም ዓመት ንኽኾን ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment