ሓድነትና ብምጥንኻር ሽርሒ ህወሓትን ሸኔን ክነፍሽል ኢና – ነበርቲ ዞባ ጎፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ጎፋ ዞን ግብረ ራዐደዳውያነ ሕወሓትን ሸኔን ዝኹንን ከምኡ እውን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዶክተር ጌትነት በጋሻው፥ ኢትዮጵያ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋን ኣርማ ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታትን ከምዝኾነት ገሊፆም።

“ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣሰር ኣቦታትና ብምኽታልን ሓድነትና ብምጥንኻርን ሽርሒ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ክነፍሽል ኢና” እውን ኢሎም።

ዘጋጥሙ እዋናዊ ፈተናታት ብምፅር ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ብምኽባር ሃገራዊ ሓላፍነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ዕዱማት እቲ ሰልፊ ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝሓዙዎ ሽርሒ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምውዳድ ንሃገሮም ከምዝዘምቱ ገሊፆም፡፡

ብኲናት ፕሮፓጋንዳ ኣይንድንግፅን፣ ዓቢዪ ጉዕዞ ለውጥና ብናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእትና ኣይተዓናቐፍን፣ ክብሪ ንሰራዊት ምክልኻልን መላእ ሓይሊታት ፀፅታን፣ ዝቐረበልና ፃውዒት ክተት ብህዝባዊ ኒሕን ፅንዓትን ተሰሊፍና ኣለና ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ምስመዖም ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment