ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ኣብቲ ነባር ዝነበሩ ክፍተታት ብምምላእ እቲ ዓውዲ ዘዘምን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ፅሬት ትምግርቲ ዘረጋግፅ፣ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ኢኮኖሚ ንኽጠዓዓምን እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ ክዝምንን ዝገበር ምዃኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሚኒቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ዝነበሩ ክፍተታት ዝመልእን ኣብ መፅናዕቲ ዝተመርኮዘ፣ ሕቶ ልምዓት እታ ሃገር ክምልስ ዝኽእልን ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስራሕ ትምህርቲ ንምድንፋዕ በቢብርኩ ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ምፍጣርን ምልማዕን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ፅሬት ትምህርቲ በፃሓት ንምሕላው ኣብ ትምህርቲ በፃሓት ካብ 524 ሺሕ ዝበልፁ በፃሓት ምዘና ብርሃን ፈተነሳ ሓሊፎም ምስክር ወረቐት ተቐቢሎም ኢዮም።

ካብ 322 ሺሕ ዝበልፁ መምህራን ድማ ምዘና ብቕዓት ሞያ ምውሃቡ ኣብ 2013 ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ ብዙሓት ስራሕቲ ዝፅራሕ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህሓት ብዝኸፈቶ ኲናት 1 ሚሊየን 400 ሺሕን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ምዃኖምን ብዙሓት ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዉን ተገሊፁ።

“ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ክንመሃር ኢና፣ ክነምህር ኢና፣ ንኹሎም ዜጋታት ብምብፃሕ ኢትዮጵያና ክነማዕብል ኢና!” ብዝብል መሪሕ ቃል ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ዓውዲ፣ ሓለፍቲ ቢሮ ክልላት፣ መዳርግቲ ኣካላት ትምህርቲ ዝተሳተፉሉ ዓመታዊ ጉባኤ ትምህርቲ ምክያዱ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment