ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዝግበኣ ኣገልግሎት ንምሃብ ድልውቲ ክትኸውን ኣለዋ – ኣይተ ኣወል ኣርባ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዝግበኣ ኣገልግሎት ንምሃብ ድልውቲ ክትኸውን ኣለዋ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

ኣይተ ኣወል ኣርባ ንሓዱሽ ዓመት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እንትኸውን፤ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም ብልፅግና፣ ናይ ፍቕርን ምትሕስሳብን ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ሓዱሽ ዓመት ዝጀመርናዮም ናይ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ብልፅግናን ጉዕዞታት ኣበርቲዕና፤ ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ብራኸ እነሰጋግረሉ፣ ካብ ኲናትን ፅልእን፣ ሰላምን ፍቕርን እነብልፀሉ ናብ መስመር ዕብየት እንኣትወሉን ንክኸውን እምነ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment