ሓዱሽ ዓመት በዓል ብሄር ወላይታ ጊፋታ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት በዓል ብሄር ወላይታ ጊፋታ ሲምፖዚየም ባህሊን ቋንቋን ብሄር ወላይታ ብምክያድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሶዶ እናተኸበረ ይርከብ።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዶክተር እንድሪያስ ጌታን ሓላፊ መምርሒ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ኣይተ ጌታቸው ገቡ፥ አባል ጊፋታ ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋብ ቀዳማይ ተግባር ኮይኑ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ጊፋታ ፀሎት ዝግበረሉ በዓል ስለዝኾነ፥ ብኣቦታት ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲን ንሃገርን ኣብ ግምባር ንዝተሰውኡን ወገናት ፀሎት ሕሊና ተገይሩ፡፡

ታሪኻዊን ኣመፃፅኣን እዋናዊ ኩነታትን በዓል ጊፋታ ዘተኮረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ዓሚቕ ልዝብ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ በዓል ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ብጥላሁን ሁሴን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment