ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር 551 ንዝኾኑ ተሓነፅቲ ይቅርታ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ፌዴራል፣ ክልልን ቤት ህንፀት ሰራዊት ምክልኻልን ዝነበሩ 551 ተሃነፅቲ ፌዴራል ብዝተፈላለዩ መለክዒታት ይቅርታ ተገይሩ።

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ይቕሬታን ምሕረትን ኣይተ ዘለቀ ዳላሎ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ኣቢያተ ህንፀትን ፌዴራል፣ ኣብ ኣቢያተ ህንፀትን ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝርከባ ኣቢያተ ህንፀትን ዝርከቡ ተሃነፅቲ ቦርድ ይቕሬታ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መርሚሩ ይቅርታ ንኽግበረሎም ንፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ መሰረት ብምግባር እተን ፕሬዚዳንት ነቲ ውሳነ ሓሳብ ተቐቢለን ብምፅቕ እቶም ተሃነፅቲ ተረባሕቲ እቲ ምሕረት ኮይኖም።

ብመሰረት እዚ ብቀዳማይ ብርኪ ኣወሃህባን ኣፈፃፅማን ይቕሬታ ኣዋጅ ቁፅሪ 840/2006ን እቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝወፅአ መምርሒ ቁፅሪ 1/2007ን ብዝተቐመጡ ስሩዓት መለክዒታት ተግባራዊ ተገይሩ።

ስዘልዝኾነ ድማ ሓደ ተሃናፂ ካብ ዝተፈረደሉ ፍርዲ ሲሶ ምውድኡ፣ ዕርቂ ኣብ ዘሕቱ ከም ምቕታል፣ ኣካል ጉድኣት ምብፃሕን ካልኦትን ዝበሉ ጉዳያት ዕርቂ ምፍፃሞም እንትረጋገፅ፣ ከምኡ እውን ዝተገበረሎም ይቕሬታ ንህዝቢ፣ ንመንግስቲን ነቲ ተሃናፂን ዝረብሕ ምዃኑ ተረጋጊፁ ብድምር ብስሩዕ መለክዒ 293 ተሃነፅቲ ተረባሕቲ ኮይኖም ኢሎም።

ብኻሊእ መዳይ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣቢያተ ህንፀት እንተተራኢዩ ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ብዝብል ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዝተፈረዶም፣ ብኣመክሮ ንኽፍትሑ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝተረፎምን ህጻናት ዝሓዛን ከምኡ እውን ነብሰፁር ዝኾን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕዚ ብዝተገበረ ይቕሬታ እንተይተፈትሑ ዝቐረዩ 128 ተሃነፅቲ ብካልኣይ ብርኪ ይቕሬታ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብሳልሳይ ብርኪ ድማ ምስ ኮቪድ-19 ተተሓሓዚ ዝኾኑ ሕማማት ኣብ ዘለዉዎም ሰባት ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ልዑል ስለዝኾነ፥ እቲ ጉድኣት ንምንካይ ተሓሲቡ ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ተሃነፅቲ ብምምልማል ዝፈፀሙዎ ገበን ረብሓ ህዝቢ፣ መንግስቲን ንባዕሎም ንተሃነፅቲን ምዃኑ ተረጋጊፁ 113 ተሃነፅቲ ተረባሕቲ እቲ ይቕሬታ ክኾኑ ከምዝተገበረ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ልዑል ጉድኣት ከብፅሕ ስለዝኽል፥ እቲ ጉድኣት ንምንካይ ዕድሚኦም ልዕሊ 55 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘኾኑ ደቂ ተባዕቲዮን ብድምር 71 ተሃነፅቲ ኣብ ራብዓይ ብርኪ ይቕሬታ ተረባሕቲ ክኾኑ ተገይሩ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment