ሓዱሽ ኣዋጅ ዕደና ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዝወፅአ ኣዋጅን ብብርኪ ረቂቕ ዝርከብ ፖሊስን ዕደና ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ዕደና ኣፈፃፅማ ትልሚ 2015 ዓ.ምን ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ምስ ሓለፍቲ ክልል ተላዚቡ።

ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)፥ ዓውዲ መኣድን ኣብ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓፈሻዊ ምዕባለ ኢኮኖሚ ሃገርን ይረብሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ዓውዲ ንክዕወት፥ ምስ ሓለፍቲ ባንኪታት፣ ኣካላት ፀፅታ፣ ክልላትን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ኣፍረይቲ ዕደና ናብቲ ዓውዲ ብብዝሓት ንክዋፈሩ ዘኽእሉ ምቹእ ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment