ሓዱሽ ተመን ዋጋ ሲሚንቶ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እናወሰኸ ዝመፅአ ወሰኽ ዋጋ ፍርያት ሲሚንቶ ንምስትኽኻል ሓዱሽ ተመን ዋጋ ምውፅኡ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር÷ እናወሰኸ ዝመፅአ ዋጋ ፍርያት ሲሚንቶ ንምስትኅኻል ፋብሪካታት መስተኻኸሊ ዋጋ ንኽገብራ ተሓቲተን ዘውፀአኦ ዋጋ ኣዚዩ ዝተጋነነ ስለዝኾነ ኢዩ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ከይዲ ፍርያት መፅናዕቲ ዝገብር ጉጅለ ብምጥያሽ ሓዱሽ ናይ ዋጋ ተመን ዝገበረ፡፡

ብመሰረት እዚ ሲሚንቶ ካብ ፋብሪካ ዝወፅአሉ ሓዱሽ ተመን ዋጋ ዝተሓተ 510 ብር ንኽኸውን÷ ዝለዓለ ዋጋ ድማ 683 ብርን 44 ሳንቲምን ንኽኸውን ተወሲኑ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕፅት ፍርያት ሲሚንቶ ስለዘሎ ንመንግስታዊ ስራሕቲ ቅድሚት እናተውሃበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታት እውን ካብ ዝምልከቶ መንግስታዊ ትካል መረጋገፂ ብምምፃእ ካብ ፋብሪካታት ብቐጥታ ፍርያት ዝገዝኡሉ መገዲ ተመዓራሪዩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ናይ ውልቀ ተጠቀምቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ናይ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ድሌት ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ስለዝፍለጥ ብትካላት ልምዓት መንግስቲን ብዝተወደቡ ማሕበራትን ኣቢሎም ከምዝረኽቡ ገሊፆም፡፡

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment