ሓዱሽ መንግስቲ ንህዝቢ ቃል  ዝኣተዎም ጉዳያት ንምፍፃም ለውጢ ኣወዳድባ ሒዙ ክመፅእ ኢዩ –  ዶክተር አብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዝጣየሽ መንግስቲ ንህዝቢ ቃል  ዝኣተዎም ጉዳያት ንምፍፃም ዘኽእሎ ኩለመዳይ ለውጢ ኣወዳድባ ሒዙ ከምዝመፅእ  ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አብርሃም በላይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዝቕፅል ምስረታ መንግስቲ ኣመልኪቶም ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፃንሒት ገይሮም፡፡

ኢትዮጵያውያን፥ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ግልፂ፣ እሙን፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ ከይዲ ንዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ዝመርሖም መንግስቲ ከምዝመረፁ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ልዑል ሓደራ መረፅቲ ሒዙ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ፥ ኩለመዳይ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ለውጢታት ኣወዳድባ፣ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ገይሩ ከምዝመፅእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ ሓዱሽ መንግስቲ ብፍላይ ከይዲ ምዕባለ ብፍልጠት፣ ክእለትን ልምዲን ክመርሑ ዝኽእሉን ብቕዓት ዘለዎም ኣመራርሓታትን ዝመፅኡሉ ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ክትግበሩ ዝተሓንፀፁ ለውጢታት ኢኮኖሚ ኣብ ጥንኩር መሰረት ኮይኖም ዝትግበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ከይዲ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክስለፍ ይግባእ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ “ዓቕምና ኣደብፊዕና እዚ እዋን ብሓባር ክንሓልፎ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment