አዲኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስታይ ፅሩይ ማይ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ክህሊ ብምግባር ብመልክዕ ምስትንፋስ፣ ረሃፅን ዓይኒ-ምድሪን ኣቢሉ ርስሓት ካብ ውሽጣዊ ክፋል ሰውነትና ንክውገድ ከምዝሕግዝ መፅናዕቲታት ዓውደ ጥዕና ይሕብሩ።
ማይ ህይወት ንዘለዎም ኩሎም ዘድልይ ንጥረ ነገር እንትኾን፥ ብፍላይ ወዲሰብ መዓልታዊ ክንደይ ዝኣክል እዩ ክሰቲ ወይ ክጥቀም ዘለዎ ዝብል ክፍሊ ጥዕና ዩንቨርስቲ ሃርቫርድ ዘሐተሞ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ንርኣይ፡፡
ከም መፅናዕቲ እቲ ዩንቨርስቲ፥ ከባቢ 60 ሚኢታዊ ዝኸዉን ሰዉነት ወዲ ሰብ ብማይ ዝተሸፈነ ኢዩ።
ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ ክንደይ ዝኣክል ማይ ምስታይ የድሊ ኣብ ዝብል መፅናዕቱ ድማ፥ ወዲ ተባዕታይ ከባቢ 15 ነጥቢ 5 ብርጭቆ ማይ፣ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 11 ነጥቢ 5 ብርጭቆ ክትወስድ ኣለዋ ይብል፡፡
እዚይ ማለት እቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ብርጭቆ፥ መዓልታዊ ካብ እንወስዶም ቡና፣ ሻሂ፣ ፅሟቕ፣ ፍራፍረን ኣሕምልቲን ዝርከብ ፈሳሲ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡
ይኹን እንበር ሕድ ሕድ ሰብ ዝወስዶ ዝወስዶ መዓልታዊ ማይ ብዝምልከት ክፈላለ ስለዝኽእል ንዝበለፀ ረብሓ ምስ ንሓኪም ምምኻር ኣገዳሲ ከምዝኾነ እቲ መፅናዕቲ ገሊፁ።
ምስታይ ማይ ብቐንዲ ኣብ ሰዉነትና ልዑል ረብሓ ዝህብ እንትኸውን፥ ካብቶም እንረኽቦም ረብሓታት እዞም ዝስዕቡ ብኣብነት ዝርቁሑ ኢዮም።
- መኣዛታትን(nutrients) ኦክስጅንን ናብ ዋህዮታት ንምውሳድ
- ባክቴርያታት ካብ ፍሕኛ(መቛፀሪ ሽንቲ) ንምዉጋድ
- ምግቢ ብግቡእ ንክሓቕቕ
- ድርቀት ከብዲ ንምኽልኻል
- ኣብ መገጣጥም ሰውነትና ዘሎ ፈሳሲ ንከይቕንስን ስሩዕ ስርሑ ክሰርሕን
- ፀቕጢ ደም ንምምምዕርራይ
- መጠን ኣብ ሰውነትና ዝርከብ ሰድየም ንምምዕርራይ
- ሙቐት ሰዉነት ንምቁፅፃር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።
ካብዚ ሓሊፉ፥ ጥዕና ቆርበት ኣብ ምሕላው፣ ተግባራት ሓንጎል ብኣግባቡ ንክትግበር ኣብ ምሕጋዝ፣ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክብ ክብል ኣብ ምግባር ልዑል ረብሓ ኣለዎ።
ብተወሳኺ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ንዘብዝሕ ሰብ፥ መጠን ማይ ሰዉነቱ ብረሃፅ ኣቢሉ ስለዝቕንስ ነዚ ንምምዕርራይ ምስታይ ማይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።
ሙቐት ከባቢ ኣየር እንትዉስኽ እዉን ከምኡ ሙቐት ብዝወሰኸ ቑፅሪ ፃምእ ማይ ክዉስኽ ይኽእል እዩ ይብል፡፡
መዓልታዊ እኩል ማይ ዘይሰቲ ሰብ፥ ንድርቀት ሰዉነት ክቃላዕ ከምዝኽእል ተገሊፁ።
ከምኡውን ኣብ ዓይኒ ቢጫ ሕብሪ ምፍጣር፣ ድኻም ኣካልን ዋሕዲ ደምን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።
ብሚዛን መኮነን