ሓደጋ ድርቂ ንምፅዋር ማይ ማእኸል ዝገበሩ ዘላቒ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም – ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደጋ ድርቂ ንምፅዋር ማይ ማእኸል ዝገበሩ ዘላቒ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም ክብሉ  ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ምትኩ ካሳ ተዛሪቦም።

እቶም ኮሚሽነር፥  “ላኒና” ብዝበሃል ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ንግዜኢ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን እዛ ሃገር ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ተጎዳእቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

በቲ ፀገም ዝበፅሖም 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ዕለታዊ ደገፍ ብፌዴራል መንግስቲ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ክልላት ይቐርብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቕርቦትን ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።

ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ፥ ሓደጋ ድርቂ ንምፅዋር ደገፍ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ማይ ማእኸል ዝገበሩ ዘላቒ ስራሕቲ ክስርሑ ኢሎም።

 

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment