ሓደጋ ኣቐዲሙ ምትምባይን ምክልኻልን ዘኽእል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ፌዴሪኢ ሓደጋታት ኣቐዲሙ ምትምባይን ምክልኻልን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይዛተ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(UNDRR)ን ፋውንዴሽን መፅናዕቲ ሲ.ኣይ.ኤም.ኤን ብምትሕብባር ዘሰናድኦ

መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስራሕቲ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ፥ ኣብ ምርዳእ ጠባይ ሓደጋ፣ ተቓላዓይነት ሓደጋን ዓቕሚ ምምካት ሓደጋን ዝተደረኸ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ፍልጠት መሰረተ ዝገበረ ውሳነ ንመሃብ፣ ግቡእ ትልሚታት ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ንምውፃእን ቅድሚያ ንዝወሃቦም ብምምራፅ ኣድላዪ ስጉምቲ ንውሳድን ዓቢዪ ሓገዝ ዝህብ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ዘተ፥ ሓደጋታት ብምንካይ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደጋ ዘይቃላዕ ሕብረተሰብ ንምፍጣር፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአዩ ዘለዉ ሓደጋታት ድርቂ፣ ሓደጋ ውሕጅ፣ ምግህማስን ምንቃዕን መሬት፤ ዘላቒ መርሃ ግብሪ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣዋዲዳ ምክልኻል ንኽትክእል ልዑል ልምዲ ዝርከበሉ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ፥ ፖሊሲታቱን ስትራቴጂታቱን ኣብ ፍልጠትን ክእለትን ዝተመስረቱ ንኽኾኑ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ በቲ ዓውዲ ልዑል ኣፍልጦን ፍልጠትን ዘለዎም ሰባት ልምዶም ብምክፋል ኣብ ተግባራዊነት ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ዘድሃቡ ሳይንሳዊ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ መድረኽ፥ ኣብቲ ዓውዲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎም ተመራመርቲ፣ ምሁራት ዩኒቨርሲቲ፣ ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽን፣ ኣዲስ ኣበባን ክልልን ይሳተፉ ኣለዉ።

ብፀጋዬ ንጉስ

 

Comments (0)
Add Comment