ሓደሓደ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ከም ሉኣላዊት ሃገር እናቖፀሩዋ ኣይኮኑን – ላውረንስ ፍሪማን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሜሪካዊው ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኣፍሪካ ላውረንስ ፍሪማን ኣፍሪካ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ከም ሉኣላዊት ሃገር እናቖፀሩዋ ከምዘይኮኑ ገሊፆም፡፡

ከም ሲ ኤን ኤን፣ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ዋሽንግተን ፖስት፣ ቢቢሲን መሰል መራኸብቲ ሓፋሽን ናፃ ሚዲያ ዘይኮኑስ ብምዕራባውያን መራሕቲን ዘወርቲ ጂኦ ፖለቲካን ፅግዕተኛ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዛበዐ ፀብፃብ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ላውረንስ ፍሪማን÷ እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያውያን መራሒኦም ከምዝመረፁን እታ ሃገር ሉኣላዊት ሃገር ከምዝኾነት ክግንዘቡ ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካን ብዛዕባ ጉዳያት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተሓተ ፍልጠት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እናተፃወተቶ ትርከብ ዕዙዝ ግደ፥ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ግምት ክተእቱ ከምዝግባኣ እቶም ተንተኒ ፖለቲካ ኣፍሪ ምስ ኣዲስ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment