ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ንዓቕመ ደካማታት ሓገዝ ገይሩ

ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ንዓቕመ ደካማታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንዓቕመ ደካማታት ሓገዝ ምግቢ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብ ደቡባዊ ሶማሊያ ክልል ጌዶ ከተማ ባርዴሬ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ሰባት ዝተገበረ ኢዩ፡፡

እቶም ኣባላት ሰራዊት ካብ ስራሕቲ ፀፅታ ሓሊፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባር ከምዝቕፅሉ ኣዛዚ ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከብ ሻለቃ ኮሎኔል ሞላ ሹመት ኣረጋጊፆም፡፡

ኮሚሽነር ዲስትሪክት ባርዴሬ ኢስማኤል ሼክ ኣብዲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ልኡኽቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment