ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ፀላኢ ክጥቀመሎም ሓሲቡዎም ዝነበሩ ዒላማታት ብምድብዳብ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይሩዎም – ሜ/ጄ ይልማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ፀላኢ ክጥቀመሎም ሓሲቡዎም ዝነበሩ ዒላማታት ብምድብዳብ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበሮም ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሜጀር ጄነራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ሓይሊ ኣየር ትንፋስ እቲ ጁንታ ዝነበሩ ዴፖታት ነዳዲ፣ መኸዘኒ መሳራእያታትን ካልኦት ዝተመረፁ ዒላማታትን ብዘይዝኾነ ይኹን ከልካሊ ብጀታት ኣዕኒዩዎም ኢዩ ኢሎም።

ፓይለታት ዝተመረፁ ዒላማታት ንምድምሳስ መሳርሒ ሒዞም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፥ ንሲቪላት ዝጎድእ እንተመሲሉዎም እናተመለሱ ፈሊኃ ናይ ምውቃዕ ስታራቴጂ እናተኸተሉ ከምዝርከቡ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

“እቲ ጁንታ ክንወቅዕ ኢና ዝብሎ፣ ዕድመ ልክዑ እናሓሰወ ስለ ዝነበረን እናሓሰወ ስለዝተርፍን ባህሪኡ ኢዩ” ዝበሉ ሜጀር ጄነራል ይልማ፥ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሕዚ እውን እቲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ክሳብ ዝቐርብ ምጥቅዑ ከምዝቕፅ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment