ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንክልል ኣየር እዛ ሃገር ዘተኣማምን ዘብዒ ኢዩ-ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንክልል ኣየር እዛ ሃገር ዘተኣማምን ዘብዒ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ሌተናል ጄኔራል ይልማ፥ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣቪዬሽንን ምክልኻል ኣየርን እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ዝጥቀምን ብብቑዓት ሰብ ሞያ ዝተወደበን ኢዩ ኢሎም።

ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብምሕላው ዘበናዊን ኣተኣማማኒን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ንውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ግዳጅ ምስ ቴክኖሎጂ ሓቢሩ ዝኸይድ ሓይሊ ሰብ ምህናፁ ተዛሪቦም።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝሓሸ መልክዑ ንሉእላውነት ሃገርን ክልል ኣየርን ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ዘብዒ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ዝተወደበ ትካል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዝሓሸ ዓቕሚን ልምዲን ብዘለዎም ሰብ ሞያን መናእሰየን እናተሃነፀ ዘሎ ፅኑዕ ትካል ከምዝኾነ ሌትናል ጄነራል ይልማ ኣረዲኦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment