ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 32 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ኣቑሑት ህንፀት ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ንመህነፂ መንበሪ ኣባይቲ ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ዝውዕል ልዕሊ 32 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ሓገዝ ኣቑሑት ህንፀት ገይሮም፡፡

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴን ኮሚሽነር ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታን ንዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ቀፅሪ ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቱ ብምርካብ ኣረኪቦምዎም።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ÷ ብሓይሊ ሰብ፣ ብዕጥቂን ስነ ልቦናን ዝተጠናኸረ ሓይሊ ንምህናፅ እየተሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ ዝተገበረ ሓገዝ ንመህነፂ መንበሪ እቲ ሰራዊት ከምዝውዕል ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment