ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሃገራዊ ልኡኽትኡ ካብ ምውፃእ ጎድናጎድኒ ትካላዊ ውዳብኡ እውን ብዝበለፀ እናዘመነ ይርከብ – ብ/ጄነራል ነገራ ሌሊሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሃገራዊ ልኡኽትኡ ካብ ምውፃእ ጎድናጎድኒ ትካላዊ ውዳብኡ እውን ብዝበለፀ እናዘመነ ከምዝርከብ ምክትል ኣዛዚ ንሎጂስቲክስ ኣየር ብርጋዴር ጄነራል ነገራ ሌሊሳ ገሊፆም።

ብርጋዴር ጄነራል ነገራ ሌሊሳ ፃውዒት መንግስቲ ስዒቡ ናብ ሃገር ዝመፅን ነባርነቶም ኔዘርላንድስ ዝገበሩን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ትካል እዋናዊ ቁመንኡ ሃገራዊ ልኡኽትኡ ምውፃእ ኣብ ዘኽእል ቁመናን ድሉውነትን ይርብ።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቲ ንዝርከቡ ቁሱላት እንግዶት ምሳሕ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 500 ሺሕ ብር ዘውፅኡ ዝተፈላለዩ ክዳውንቲን መሕለዊ ፅሬትን ህያባት ከምዘበርከቱ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment