ሓይሊ ኣየር ብኤር ፖሊስ ኮማንዶ ዘሰልጠኖም ኣባላት ሰራዊት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ዔፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ዙር ኤር ፖሊስ ኮማንዶ ዘሰልጠኖም ኣባላት ሰራዊት ኣመሪቑ።

ብመስዋእትነት ሰራዊትናን ህዝብናን ዘንፀላለወልና ሓደጋ ህልውና እናተመከተ ይርከብ ክብሉ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ንሎጂስቲክስ ኣየር ብ/ጄ ነገራ ሌሊሳ ተዛሪቦም፡፡

ሓይሊ ኣየር ንሓይሊ ምድሪ ድጋፍ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ክሳብ ወረዳ ፀላኢ ዘሊቑ ብምእታው ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘየዳግም ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቶም ተመረቕቲ ነቲ ትካል ኣፈፃፅማ ወፍሪ ዕዉት ንምግባር ተወሳኺ ዓቕሚ ስለዝኾነ፥ ንቀፃሊ ልኡኽ ንባዕሎም ክዳለዉ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

መተሓባበሪ እቲ ስልጠና ኮ/ል ተፈራ እሸቴ ብግደኦም፥ ሰልጠንቲ ዝወሃቦም ወፍሪ ብብቕዓት ምውፃ ዘኽእል ስልጠና ብምውሳድ ብዝለዓለ ውፅኢት ምዝዛም ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment