ሓይሊ ኣየርን ሜኬናይዝድን ዘበናዊ ብምግባር ኲናት ብዘበናዊ መሳርሒ ኲናትን ውሱን ሓይሊ ሰብን ናይ ምዝዛም ዓቕሚ ይህነፅ ኣሎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኲናት ኣዋሽ ኣርባ ብምርካብ ብምውዳድ ሓይሊ ኣየርን ሜኬናይዝድን ዝተገበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ጥምር ሰራዊት ተዓዚቦም።

ሓይሊ ኣየርን ሜኬናይዝድን ዘበናዊ ብምግባር ኲናት ብዘበናዊ መሳርሒ ኲናትን ውሱን ሓይሊ ሰብን ናይ ምዝዛም ዓቕሚ ይህነፅ ከምዘሎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይኒታት ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊትን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጇላ፣ ምክትል ኤታማዦር ሹም ጀነራል አበባው ታደሰ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ይልማ መርዳሳ፣ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፌዴራል  ደመላሽ ገብረ ሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን መኮንናትን ተረኺቦም።

ብምቕፃል ኣብ ዋና መምርሒ ሓይሊ ኣየር ቢሸፍቱ ብምርካብ ኣብ ምድላው ዝግበሩ ምምሕያሻት ዑደት ገይሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment