ሓይሊ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያን ብሓባር ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሱ

ኣዲስ ኣበባ ፣  30 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ዋጅድን ከባቢኡን ደገፍ ዝህብ ዘሎ ሓይሊ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያን ብሓባር ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሱ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ንሴክተር ሰለስተ ድጋፍ እናሃበ ዘሎ መበል ሳልሳይ ብርጌድ ሁለተኛ ሻለቃ ኣዛዚ ሌለናል ኮሎኔል ኣለም መብራቱ፥ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 180 ተዋጋእቲ ሓይሊ ኣልሸባብ ከምዝንቀሳቐስ ሓበሬታ መርካብ ስዒቡ እቲ ናይ ሓባር ሓይሊ ብዝወሰዶ ስጉምቲ እቶም 18 እንትቕተሉ 11 ድማ ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ።

ፀላኢ ዝጥቀመሉ ተሽከርካሪ ብምዕናው ዕጥቂ ሕድሕድ ብምምራኽ ዓወት ከምዝሓፈሰ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment