ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ፥ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ሜ/ጄ ኣብድሮ ከድር፣ ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሜ/ጄ ኣብድሮ ከድር፥ እቲ ሓይሊ ዝተጣየሸሉ ልኡኽ ብብቕዓት ምፍፃም ንክኽአል ተሓሳቢ ዝገበረ ዓቕሚ ፈጣሪ ስልጠናታት ብምውሳድ ሞራላዊ ብቕዓቱ ክብ እናበለ ብዘበናዊ ዕጥቂ ንባዕሉ የጠናኽር ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዘበናዊ ሓለዋ ጀሚሩ ክሳብ ስሩዕ ውግእን ኲናት ደባይን ብምስታፍ ዘመዝገቦም ውፅኢታት ኩለ መዳይ ዝኾነ ልኡኽ ብቕዓቱ ከምዘረጋግፅ ተዛሪቦም።

በቢእዋኑ በስልጠና ንባዕሉ እናብቀዐ ዘይኸይድ ወተሃደር ግቡኡ ናይ ምውፃእን ምስዓርን ዓቕሚ ኣይክህልዎን ከብሉ ኣድላይነት እቲ ስልጠና ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment