ሓይሊታት ሱዳን ን72 ሰዓታት ተኹሲ ንምቁራፅ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ን72 ሰዓታት ተኹሲ ንምቁራፅ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን÷ እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዝትግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይሊታት 48 ሰዓታት ዝወደአ ድርድር ምስተገበረ ዝተበፅሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሓይሊታት ሱዳን ናብ ጎንፂ ካብ ዝኣትዉ ንደሓር ተኹ ንምቁራፅ እንትስማዕምዑ እዚ ንሳልሳይ ግዘኦም ኢዩ፡፡

ጦር ሱዳንን ሓይልታት ህፁፅ ደገፍን እቲ ሕዚ ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ተግባራዊ ከምዝገብሩ ምሕባሮም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ስምምዕነት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታተን ንምውፃእ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ተገሊፁ፡፡

መበል 11 መዓልቱ ዘቑፀረ ጎንፂ ሱዳን፥ ክሳብ ሕዚ 427 ዝኾኑ ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑን ልዕሊ 3 ሺሕን 700 ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment