ሓይሊታት ሱዳን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምጥሓስ ውግእ ከምዝቐፀሉ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ን24 ሰዓት ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ገይሮም ይንበሩ እምበር ውግእ እናቐፀሉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢድ ብምእታው ምስ ኣሸማገሎምን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምስፈፀሙን፤ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኲናት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተመልኪቱ፡፡

ናብ ባይታ ወሪድካ ክረአ ዝነበሮ ስምምዕነት ዘይተግበሩ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን፥ ወሰንቲ ቦታታት ንመሓዝ እናተሸመዩ ከምዝርከቡ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ምጥሓስ እቲ ስምምዕነት ብዝምልከት ሓደ ነቲ ሓደ እናተኻሰሱ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከቡ ቀጥታ ፈነወ ጣቢያታት ፈነወ ቴሌቪዥን ብድሕሪተን ልዑል ድምፂ ተኹሲ እናተሰምዐ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ብወታደራዊ መራሒ ሱዳን ጄኔራል ኣብዱል ፈታህ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ጦር ሰራዊት ሱዳንን ብምኽትሎም መሃመድ ሃምዳን ደጋሎ ዝምርሑ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳንን ዝተፈጠረ ጎንፂ ሓምሻይ መዓልቲ ኣቑፂሩ ይርከብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

Comments (0)
Add Comment