ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓውልቲ ኣኽሱም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዳግም ንዑደተኛታት ክፍቲ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብረመድኅን ፍፁምብርሀን፥ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ንሃወፅቲ ክፍቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እዚ ንክኸውን ሕብረተሰብ ብገንዘቡ፣ ጉልበቱን ሙዩኡን ዝገበሮ ተሳትፎ ልዑል ከምዝነበረ ገሊፆም።
ሕብረተሰብ ንሃወፅቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ክብ ንምባል ዝዓለመ ንሰኣልቲ፣ ኣተርጎምቲ፣ ሰብ ሞያ ባህላዊ ገይፀመይፅን ቅርፃቅርፂን፣ ሰብ ሆቴላት ስልጠና ከምዝተውሃበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።