ሓወይ ኢስማኤል ኦመር ጌሌ ናብ ካልአይቲ ሃገሮም እንኳዕ ብደሓን መፅኡ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ሓወይ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ጅቡቲ ኢስማኤል ኦመር ጌሌ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከምንገብር እምነተይ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ዑመር ጌሌ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፤ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ጅቡቲ ኢስማኤል ኦመር ጌሌ ዕላዊ ዑደት ስራሕ  ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ስዒቡ ኣብ መሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “እንኳዕ ናብ ካልአይቲ ሃገሮም ብደሓን መፅኡ” ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ፥ “ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከምንገብር እምነተይ ኢዩ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ዑደት ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝመያየጡ ትፅቢት ይግበር።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንነዊሕ ዘበናት ብባህሊን ታሪኽን ዝተኣሳሰራ፤ ዝጸንሐን ጥቡቕን ናይ ምሕዝነት ርክብ ዘለወን ኣሓት ሃገራት ኢየን።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ዓውዲ ልምዓት ባቡር፣ መንገድ፣ ማይ፣ ቴሌኮም፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ዓውዲታት ልምዓትን ሓበራዊ ተረባሕነተን ንምርግጋፅ እናሰርሓ ከምዝርከባ እውን ይፍለጥ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment