ሓወልቲ ዝኽሪ ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን ኲናት ኮሪያ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተተኺሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30  ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት ኮሪያ ወፊሮም ዝነበሩ 2 ሺሕን 482 ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ሽም ዝኻዘ ዝኽሪ ሓወልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሰሪሑ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ክሳብ 1953 ኣብ ኲናት ኮሪያ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ሽሞም ዝተቐረፀሉ ዝኽሪ ሓወልቲ ኣገልግሎቶም ንምዝካር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝቖመ ሚኒስቴር ጉዳያት ነበር ዘመትቲ ደቡብ ኮሪያ ኣፍሊጡ።

ስነ-ስርዓት ምረቓ ሽም ዝርዝር 2 ሺሕን 482 ዘመትቲ ኣርበኛታት ዝሓዘ ሓወልቲ÷ ሚኒስቴር ጉዳያት ነበር ዘመትቲ ደቡብ ኮሪያ ካንግ ጁንግ-ኣይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ብመፍለዪ ሰንደቕ ዓላማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ናብ ደቡብ ኮሪያ ወታደር ወይ እውን ሓገዝ ሕክምና ካብ ሞንጎ ዝለኣኻ 22 ሃገራት ሓንቲ ኢያ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment