ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ “ማዕቐፍ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ-ኣውሮፓ” ክዝቲ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ “ማዕቐፍ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ-ኣውሮፓ” ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ ዛዕባታትን ከምዝዝቲ ተገሊፁ።

ሕብረት ኣውሮፕ ነቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብቲ ጉባኤ ሕብረታት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ብዛዕባ ዝህልዎም ሓበራዊ ረብሓ ዝሓለወ ምትእስሳር ብፍላይ ክልቲኡ ኣህጉር ሓበራዊ ምዕባለ ምህናጽ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

መራሕቲ እተን ኣህጉራት፥ ኣብ “ማዕቐፍ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ-ኣውሮፓ”፣ ኣተሓሳሳቢ ኣብ ዝኾነ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ከምዝዝትዩ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ኣብ ፍርያትን ፍርያታውነትን ሕርሻ፣ ዓለም ለኸ ቅልውላው እናስዐቡ ዝርከቡ ፀገማት ጥዕና ክዝቲ ኢዩ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

6ይ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ቤልጂም ከተማ ብራስለስ ክካየድ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment